ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ኣብ ነርወይ፡ ብዛዕባና


25.ግንቦት.2018 ኣዕሩክ፡ ተሻረክቲ ትካላት፡ትሓጋገዝቲ ፡ኩላትና ብሓባር ተኣኪብና ብምውዓል ጽምብል ምክፋት ወግዓዊ ማአከል ባህሊ ነርወይ (ኖምኩስ) ተኻዩዱ።አቲ ጽምብል ኣብ ክቪንስዳል ኣዳራሽ ባህላዊ ማአከል (ኩልቱርሁስ) አዩ ተኻዪዱ።አቲ ፍቱው ዓርክና ቀራጺ ኮሳር ሀህ ነዚ ደስ ዘብል ቪድዮዚ  ካብቲ ናይ ጽምብል ፍጻመ ድሒሩ ሒዙልና መጺኡ።


Så du etter kontaktinformasjon? Kontakt oss her!


ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ነርወይ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሃንጸ አዩ።ንሕና ዝተፈልላየ ባህሊ ዘለና ከም ሓንቲ ጋንታ ኮይና፡ኮርሳት፡ናይ ምቲርጛም ኣገልግሎት፡ትምህርቲ ብ ኢንተርነት፡ስሚናር፡ዓውደ መጽናዕቲ-ንምጽንባር (ምትሕውዋስ) ከም ቀንዲ ዓውዲ ብምውሳድ ይህብ።

ኣብ አንዳሰፍሐን ዝተፈላለየ ባህልታት ዝሓዘን ሕ ብረተሰብ ኢና ንነብር ዘለና።

ጉጅለ ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ነርወይ ንባህሊ ኣዝዩ አዩ ዘፍቅሮ።


ምስ ዋንነትን (ምትአስሳርን) ፍቅርን ሕብረተሰብ ነርወይ ዝከይድ

 

ሓበራዊ ድሌት (ባህጊ) ናይ ኣነስ ኣብዚ ሕብረተሰብ ነርወይ ኣትየ (ተኣሳሲረየ) ዝብል

ማአከል ብዙሕነት ባሕሊ ነርወይ ኣብ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሃንጸ አዩ።ንሕና ብዙሓት ሃገራውያን ከም ሓንቲ ጋንታ ኮይና ዝተፈላለየ ድሕሪ-ባይታ፡ዓይነትትምህርቲ፡ተመክሮ፡ሞያ፡ሃገር፡ዕድመ፡ ሃይማኖት ምትአስሳር፡ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ዘለና ኢና።።ኩላትና ግን ሓባራዊ ዝኮነ ሓቅኛ ባህጊ ኣለና።ንሱ ከኣ ሓደሽቲ መጻአቲ ኣብ ነርወይ ዋንነት (ምትአስሳር ) ክስምዖምን ሕጉሳት ክኮኑ ኣብ ሃገርና ነርወይ አዩ።

ብከመይ ተቀባልነትን ክብረትን ትረክብ አዩ።

ብከመይ ሓደ ሰብ ተቀባልነትን ክብረትን ኣብ ነርወይ ይረክብ ንዝብል ጽቡቅ ዝኮነ መረዳአታ መታን ክህልወና ሓበሬታን ፍልጠትን የድልየና። ኣብ ኩሉ ባህልታት ሕቡአ (ዘይርአ) ዝኮነ ሕግታት ኩላትና  ክንስዕቦ ዘለና ኣሎ። ጉጅለ ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ነርወይ ብዛዕባ ማህበራዊ ምስጢራት (ኮዳት) :ባህሊ፡ክብርታት፡ስርዓታት፡ሕግታትን ይምህር አዩ።

ምዝናቅ (ምምቅራሕ)

አቲ ዋና ነገር አምበኣር ከመይ ጌርካ ብጽቡቅ ተዛንቆ ንክልቲኡ ማሕበራዊ ባህልታት ማለት ብባህልካ ክትሕበንን ንክብረታትካ ክትሕልዎን በቲ ካልኣይ ሸነክ ድማ ምስ ክብርታትን ሕግታትን ነርወይ ከም ዝሰማማዕ (ዝከይድ) ምግባር አዩ።

መጻኢ ግዜን ሰላምን

ንሃገርና ነርወይ ንፍቅራ ኢና።ተፈጥሮ፡ናጽነት፡ደሙክራሲ፡ማዕረ ክብርታት፡ ማዕርነት : ስርዓት።ምክብባር : ፍትሒ፡ቅንዕና (አሙነት)፡ሓልዮትን ድሕነትን።ስራሕናን ራኢናን አምበኣር ኩላትና ኣብ ብዙሕነት ባህሊ ሕብረተሰብ ንሰርሕ ብሓባር ኮይና ነዞም ሓበራዊ ክብርታት ንቀጻሊ ክንሃንጾም አዩ።ከም ሓደ ህዝብን ሓንቲ ሃገርን ሓበራዊ ሓላፍነት ኣለና ንሃገርና ነርወይ ክንከናከን ከምኡውን ደቅናን ደቂ ደቅናን ብፍቅርን ሰላምን ንክዓብዩ ናይ ምግባር ግዴታ ኣለና።


 

ማአከል ብዙሕነት ባሕሊ ነርወይ ንብዙሓት ባህልታት ዘጣመረት ጋንታ አያ።

 

ጋንታ ኖምኩስ

ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ነርወይ ሓንቲ ጋንታ ናይ ብዙሓት ባህልታት ኮይና- ስልጠናታት፡ስሚናር፡ ፓወር ፖይንት ዝተሰነይ ትምህርቲ ምድላው፡ትምህርቲ ቢኢንተርነት፡ ኣገልግሎት ምቱርጛምን ይህብ፡ንምትሕንጽባር (ምትሕውዋስ) ከም ቀንዲ ዓውዲ ትምህርቲ ብምግባር።ጋንታ ማአከል ብዙሕነት ባሕሊ ነርወይ ብዙሓት ሰባት ካብ 39 ሃገራት ዝመጹ ዝሓዘት ኮይና፡አዚኦም ከኣ ዕድሚኦም 18-83 ይኮኑ።ዝተፍላለየ ዓውደ ፍልጠት ፡ተመክሮ፡አምነት ስነ ሓሳብን: ፖለቲካዊ መርገጽን ዘለዎም አዮም።

ቦታ

ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ክቪንስዳል፡ሓደ ንአሽተይ ናይ ጽዓት ኮምነ ኣብ ደቡብ ነርወይ አዩ።ኣተባባዕትን ውፉያትን ስልጠናታት ኣዳልውቲ ፡ኣዳልውቲ ትምህርቲ ብፓወርፖይንት ዝተሰነየ ፡ከምኡውን ተርጎምቲ ኣብ ምሉአ ሃገር አናዘሩ ሓበሬታ ብቀሊልን ፈጠራውን መንገዲ ዘመሓላልፉ አዮም።


 

አድ ብኢድ ብምትሕሓዝ: ፍልጠትን መረዳአታ ባህልን

ምርዳአ ባህሊ ሓደ መሰረታዊ ምንጻፍ ናይ ምትሕንፋጽ (ኢንተግረሪንግ) መስርሕ አዩ።ከምኡውን ናይ ዋንነት (ምትአስሳር) ኣብ ከባብያዊ ሕብረተሰብ ይፈጥር።ንሕና ፍልጠት ክንህብ ኢና ንሰርሕ።
ከምኡውን ዝያዳ ምርዳአ ባህሊ ከነማዕብሎ ብኩሉ ሸነክ ማለት ነቶም ናብ ነርወይ ዝመጹ ሰባትን ንነርወጃውያን ዝሳተፉን።


የቀንየልና ኣድራሻና ኖምኩስ ስለ ዝበጻሕካ።ተስፋ ንገብር ዝኮነ ነገር ካባካ ክንሰምዕ።

ምውቅ ሰላምታ
 ጉጅለ ኖምኩስ ማአከል ብዙሕነት ባህሊ ነርወይ