ትግርኛ (Tigrinja)

Brannvarsling og brannsikkerhet | Tigrinja

መጥፍኢ ባርዕን ድሕነት ባርዕን

ኣብዛ ቪድዮ ኣብ ገዛና ባርዕ ሓዊ እንተጋጢሙ ክውሰዱ ዝኽእሉ ስጉምትታት ንርኢ። ብዛዕባ መህደሚ መንገዲ፡ መፍለጢን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ገዛኹም ንኽበጽሕ ክንደይ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን ንዛተ። ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ዝወጻእካሉ እዋን እውን ጥንቃቐ ንርኢ።

Spørsmål og svar

Ofte stilte spørsmål

Ettersom flere deltakere tar dette...

Read more...

Brannsikkerhet og varmeapparater | Tigrinja

ድሕነት ባርዕን መሞቒን

ኣብዛ ቪድዮ ብመሰረት መሞቒታት ድሕነት ባርዕ ሓዊ ንዛረብ። ኖርወይ ዝሑል ሃገር ስለዝኾነት፡ ኣርቲፊሻል መውዓዪ መሳርሒታት ኣብ ሰፊሕ ክፋል ዓመት ይጥቀሙ። ብተወሳኺ፡ ንምብሳል ኣርቲፊሻል ሙቐት ንጥቀም፡ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ባርዕ ገዛውቲ ኣብ ኖርወይ እዩ። ኣብዛ ቪድዮ፡ ምስ ኣርቲፊሻል ዋዒ ዝተኣሳሰር ባርዕ ብኸመይ ክንከላኸል ከም እንኽእል ንርኢ።

Read more...

Brannforebygging | Tigrinja

ምክልኻል ባርዕ ሓዊ

ኣብዛ ቪድዮ ብዛዕባ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ኣብ ገዛውትን መንበሪ ኣባይትን ንዛረብ። ምስ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ትኪ መፍለጢ መሳርሒታት ትእዛዝ፡ ከምኡ’ውን እዚኣቶም ኣበይ ክተኽሉ ከም ዘለዎም ንሰምዕ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እዞም መሳርሒታት ባርዕ እንተ ኣጋጢሙ ንምጥንቃቕ ብኸመይ ክሕግዙና ከምዝኽእሉ ንርኢ ኣለና።

Spørsmål og svar

Read more...

Psykisk helse Del 3 | Tigrinja

ጥዕና ኣእምሮ 3ይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ቪድዮታት፡ ጥዕና ኣእምሮ እንታይ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ከም ሳዕቤን ናይ ነዊሕ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ኣእምሮኣዊ ጽዕነት እንታይ ዓይነት መስርሕ ኣተሓሳስባ ክኽሰት ከም ዝኽእል ተዛሪብና ኔርና። ኣብዛ ቪድዮ፡ ንነብስና ንቃላዕ ከምዘለና ዘይንፈልጦም ምልክታት ጸቕጢ ንምክልኻል ባዕልና ክንገብሮም እንኽእል ንጥፈታት ንዛረብ።

Spørsmål og svar

Ofte stilte...

Read more...

Psykisk helse Del 2 | Tigrinja

ጥዕና ኣእምሮ 2ይ ክፋል

ኣቐዲምና ብዛዕባ እቲ ልሙድ ናይ ጭንቀት መጥቃዕቲ ከመልክት ዝኽእል ነገራት ተዛሪብና ኔርና። ኣብዛ ቪድዮ ብዛዕባ ጭንቀት ምስ ዘጋጥመና ኣብ ኣካላትና ንዝስምዓና ዘይጥዑም ወይ ኣሉታዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ክንገጥሞም ከም እንኽእል ንዛረብ፣ በዚ ድማ ንመጥቃዕቲ ጭንቀት ክንከላኸል ወይ ከነጉድል ዝኽእል እዩ።

Spørsmål og svar

Ofte stilte spørsmål

Ettersom...

Read more...

Migrasjonsprosessen og helse – Del 1 | Tigrinja

መስርሕ ስደትን ጥዕና ኣእምሮን 1ይ ክፋል

ኣብዛ ቪድዮ ብዛዕባ መስርሕ ስደት ምስ ጥዕና ኣእምሮና ብምትእስሳር ዝዛረብ ናዚሽ ንራኸብ። ጥዕና ኣእምሮ ንነብስኻን ንኻልኦት ኣብ ከባቢኻን ብኸመይ ከም እትርእያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ብኸመይ ከም እትሕዞም ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ ስንባደ ኣብ ጥዕናና ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጾር ኮይኑ ከም ዝሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ንነብስና ንምሕጋዝ...

Read more...

Migrasjonsprosessen Del 1 | Tigrinja

መስርሕ ስደት 1ይ ክፋል

ዓለም ብምልእታ ስደት ክውስኽ ርእያ እያ። ድሕሪ ሕጂ ሓደ ሰብ ኣበየናይ ባህሊ ወይ ዜግነት ከም ዝምልከት በቲ ዝዛረቦ ወይ መልክዑ ተመርኲስና ክንፈልጥ እንኽእል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕትአን ሃገራት ብዙሕ ባህልታት ዘለወን ኮይነን፡ ካብ ሓያሎ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ነበርቲ ዘለወን እየን። ብኢንተርነት እውን ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ርክብ...

Read more...

Migrasjonsprosessen Del 2 | Tigrinja

መስርሕ ስደት 2ይ ክፋል

ኣብዛ ቪድዮ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት መስርሕ ስደት ክንድህስስ ኢና። ብዛዕባ እቲ መስርሕ ባዕሉ ክንዛረብ ኢና: ኣብ ሓዳስ ሃገር ምስ በጻሕና ንመጀመርታ ግዜ: ከምኡ’ውን መብዛሕትና ክንሓልፎ ዘለና ተፈጥሮኣዊ ምዕራፋት።

Spørsmål og svar

Ofte stilte spørsmål

Ettersom flere deltakere tar dette kurset vil spørsmål som blir sendt inn publisert...

Read more...

Helsevesenet i Norge | Tigrinja

ሌላ ምስ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኣብ ኖርወይ

ኣብዛ ቪድዮ፡ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ንርኢ፤ ከመይ ይውደብ መን እዩ ተሓታቲ ብተግባር ድማ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ንህዝቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ ስርዓት እዩ። ኣብዛ ቪድዮ፡ ኣየኖት ኣገልግሎታት ኣብዚኦም ከም ዝካተቱ፡ እዚ ድማ እንታይ ከም ዘጠቓልል ክንርኢ ኢና።

Spørsmål...

Read more...

Fysisk helse | Tigrinja

ኣካላዊ ጥዕና

ኣብዛ ቪድዮ ምስ ትርሓስ: ዝሰልጠነ ናይ ሞያ ሓኪም ንራኸብ። ሞያዊ ፍወሳታት ንጽሬት ህይወት ሕሙማት ንምምሕያሽ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ኣገዳሲ ኣካል ሕክምና ይጥቀሙሉ። ኣብታ ቪድዮ፡ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጽቡቕ ኣካላዊ ጥዕናን ኣብ ዝሓሸ መዓልታዊ ህይወት ከመይ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ንሰምዕ።

Spørsmål og svar

Read more...